ዕላማ ናይ ትካል ጸዓት ቀይሕ ባሕሪ ንዓማዊል ዝሓሰረ ዋጋ ጸዓትን፣ኮምኡውን ንዓማዊል ብዝርደኦም ቋንቋ ኣገልግሎት ምቅራብ እዩ። ትካል ቀይሕ ባሕሪ ንውልቀ ሰባትን፣ ኮምኡ ውን ንትካላት ኣገልግሎት ይህብ። ንዝነኣሰን ዝዓበየን ተጠቃሚ ብማዕረ ይሕዝ። ትካልና ዝምሕጸኖ ቃል ድማ ኣየዕብርን።
እቲ ተዓዋቲ መን እዩ፧ ኣብ ትካልና ጸዓት ቀይሕ ባሕሪ እቲ ዝበለጸ ማራኺ ዝዀነ ዉዕል ዝትዓደገሉ(Innkjøpspris) ኢዩ። እዚ ማለት፥ ከምቲ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋታት። ዓማዊልና ድማ በቲ ዝዓደግናዮ ዋጋ ይረኽቡ። ነቲ እንዕድጎ ዋጋ እተወሰነ መጠን ወይ ሒደት ተወሳኺ ኽፍሊት ጥራይ ኢና እንውስኸሉ። መጠን ናይዚ ተወሳኺ ክፍሊት ድማ ኣቀዲምና ዘርዚርናዮ ኣለና ኣብዚ መጀመሪ ገጻት ናይዚ ዌብሳይት።
ትካል ጸዓት ቀይሕ ባሕሪ ብመንገዲ ዓማዊሉ፣ ንማሕበረሰብ ብዅሉ መዳይ ክሕደስ ዝኽእል ዓይነት ጸዓት ኣብምሃብ ይሳተፍ ኢዩ። 100% ናይ ዓማዊል ዕግበት ውሕስነት ንህብ፣ 100% ናይ ምሕዳስ ክእለት ዘለዎ ጸዓት ድማ ንህብ።
ዓማዊልና ግቡእ ኣገልግሎት ከም ዚረኽቡ ኢና ንኣምን። ኵሉ ሰብ ኪስማዕን ኪርዳእን ከም ዘለዎ ድማ ንኣምን። እዚ እቲ ቀዳማይ መትከልና እዩ። 5 መዓልቲ ኽፉት ኣገልግሎት ዓማዊል ኣሎና። ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ኽሳዕ ሰዓት 2 ናይ ምሸት ን 5 መዓልቲ ኽፉት ኣገልግሎት ዓማዊል ኣሎና። ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም። ርእይቶኻ ንኣገልግሎት ዓማዊልና ንኸነመሓይሾ ይሕግዘና እዩ። ንሕቶታትካ ኣርዚንና ኢና ንርእዮ!
ዋጋ ኤለክትሪክና ርጉእን ንዅሉ ዚበቅዕን እዩ። ብመሰረት እቲ እተመባጻዕናዮ ዋጋ ኢና እነቕርብ።
ቀይሕ ባሕሪ ብከላ ንምጥፋእ ዓብዪ ተገዳስነት ኣለዎ። ንኣከባብያውን ተፈጥሮን ዚቃለሱ ደቂ ዓድን ሃገራውያን ማሕበራት ክንድግፍ መደብ ኣሎና። ከም ዓቢ ኽፋል እቲ ተበግሶና መጠን 100% ከም ብሓድሽ ዚሕደስ ጸዓት ንምብጻሕ ኢና እንዓዪ።
ks@redsea.energy
ሶኒይ ክሳብ ዓርቢ: 08:00 - 14:00
Brugata 1,
0186 Oslo
ks@redsea.energy
ሶኒይ ክሳብ ዓርቢ: 08:00 - 14:00
Brugata 1,
0186 Oslo
ks@redsea.energy
Stalsberggata 1 1467 Strømmen